Skip to content
ቈርበት በጊዕ ለበስ
€19.99
Beskrivelse
- እቲ ኣብ ስራሕ ንቅድሚት ምንቕ ከይትብል ኵሎም ከማዕብሉኻ ዝኽእሉ ዕድላት ዓጊቱ ኸብቕዕ ይድግፈካ ኸም ዘሎ ዝምጉት ተቛጻጻሪ፡ እቲ ብሓለቓ ምእንቲ ኽፍቶ ብሰላሕታ ዘነኣእሰካ መሳርሕቲ፡ እታ አፍቅረካን እሓልየልካን’የ እናበለት ኣብ ግብሪ ግና ህይወትካ ትቖጻጸር ኣፍቃሪት፡ ወይ ድማ እቲ ድሌቱ ምእንቲ ኽረክብ ኣየኖት መላጉም ከም ዝጥውቕ ዝፈልጥ ውላድ፡ ብሓፈሻ ኵላቶም ሸሓጥቲ በቲ ቘርበት በጊዕ ዝተኸደነ ተዅላ ኽምሰሉ ይኽእሉ። ብደጊኦም ማረኽትን ምቕሉላትን መሲሎም ክረኣዩ ይኽእሉ እዮም። እንተኾነ ብውሽጦም፡ ኣዝዮም መዝመዝትን ጨካናትን እዮም። ጎራሓትን ረቀቕትን ብምዃኖም፡ ድኽመታትካ መዝሚዞ በላሕቲ ስልትታቶም ብምጥቃም ግዳዮም ይገብሩኻ። እዚኦም ዓይነት ሰባት ዝደልይዎ ንምርካብ ናይ ሓይለቦኦም ዝቓለሱ ክነሶም፡ ነቲ ጐነጻዊ ተግባራቶም ንምሽፋን ግና ብዝተኻእሎም ይጽዕሩ። በዚ ምኽንያት እየ ነዞም ከምዚ ዝበለ ኣተሓሳስባ ዝውንኑ ሰባት ስቱር-ጐነጻውያን ዝብሎም።
-
ቈርበት በጊዕ ለበስ
ሸሓጥቲ ምርዳእን ምግጣምን
ጆርጅ ከይ. ሳይመን ጁንየር
ትርጕም፤ ያቆብ በራኺ
Omtaler
Det er ingen omtaler ennå.