Beskrivelse
እቲ ቀዳማይ ሕጊ ዓወት፡ኣትኵሮ እዩ፤ ሓይልኻ ናብ ሓደ ነገር ምእንፋት፣
ናብኡ ድማ ብዘይምውልዋል ብቐጥታ ምምራሕ።» ዊልያም ማቲው
እዛ መጽሓፍ ….
ሸቶኻ ብንጹር ኣብ ጽሑፍ ምቕማጥ፡ ንኣተሓሳስባኻ ብዝያዳ ይልውጦ፡ ናብ ተግባር እውን ይደፋፍኣካ፡ ናይ ፈጠራ ክእለትካ የነቓቕሕ፡ ዕቝር ሓይልኻ ከም ዝወጽእ ይገብር። ስራሕ ናይ ምውንዛፍ ልምዲ ኸኣ የወግደልካ።
ሸቶ ንዓወት ቀንዲ ነዳዲኡ እዩ። ሸቶኻ ክብ ብዝበለን ንጹር ብዝዀነን መጠን፡ዝያዳ ቀስቃሲ ስምዒት ይኸውን፤ንዓወት ድማ የለዓዕለካ። ኣዘውቲርካ ኣብ ዕላማኻ ብዘተኰርካ መጠን’ውን ውሽጣዊ ናይ ምልዕዓል ሓይልኻን ናይ ምፍጻም ድሌትካን ይውስኽ።
ግደ ሓቂ፡ ምሕደራ ግዜ ምሕደራ ህይወት’ዩ። ገዛእ-ርእስኻ ብውጥን ክትመርሕ ከምኡ’ውን ናይ ትግባረ ቅደም-ተኸተል ክትቈጻጸር ምኽኣል ማለት’ዩ። ናይ ግዜ ኣጠቓቕማ፡ኣስዒብካ እንታይ ከም እትሰርሕ ምፍላጥ እዩ።ነቲ ኣስዒብካ እትሰርሖ ንኽትመርጽ ድማ ወትሩ ነጻ ኢኻ። ስለዚ፡እቲ ዝጠቅም ካብቲ ዘይጠቅም ናይ ምምራጽ ክእለትካ፡ ኣብ ህይወትካን ኣብ ስራሕካን ናይ ዓወት መፍትሕ እዩ።
» መዓልታዊ ነቶም ኣገደስቲ ዝዀኑ ስራሓትካ ንምዕማም ግዜ ሃብ። ነቲ ክትሰርሖ ዝግብኣካ ኣቐድም ኣቢልካ _ ወጥን። ኣቐዲምካ ብንግሆኡ ክትዓሞም ዝግብኣካ ተግባራት ፍለይ፤ ድሕሪ’ዚ ኣድህቦ ሂብካ ብትግሃት ዛዝሞም።»
Omtaler
Det er ingen omtaler ennå.