Skip to content Skip to footer

ሳልሳይ ኣማራጺ

25.99

Tilleggsinformasjon

Publisher ጸሓፊ/ት

ሩፋኤል ተስፋሚካኤል

Pages ገጻት

205

Produktnummer: 2 Kategori: Product ID: 19918

Beskrivelse

ሳልሳይ ኣማራጺ ጸሓፊ ስቲቨን ኮቨይ ትርጉም ሩፋኤል ተስፋሚኬል ብዝሒ ገጽ 202 ዝተሓትመትሉ ዓም 2020

ነብስኻ ምፍላጥ ማለት ውሽጣዊ ስሚዕታትካ ፣ ባህግታትካን ዓቕምታትካን ንግዳም ምውጻእ ማለት ኢዩ። እዚ ብወገኑ ንነብስካ ወጻኢ ኮይንካ ካብ ግዳም ንውሽጢ ብምጥማት ነብሲ ግምገማ ምግባርን ሚዛን ምውሳድን ማለት ኢዩ።
ገዛእ ርእስካ ምፍላጥ ክብሃል እንኸሎ ልባዊ ድሌታትካ ምንጻር ፣ ዘጠራጥረካ ጉዳያትን ሕጽረታትካን ምልላይን ከምኡ ውን ብፍላጥ ኮነ ብዘይፍላጥ ጸግዒ እትሕዘሎም ጉዳያት ምስትብሃል ማለት ኢዩ።
ብናተይ ፣ ናተይ እባ ዝተቓነዩ ሰባት ውድድር እንበር ውህደት ኣይረኣዮምን ኢዩ። ብኸምዚ ኣገባብ ዝምርሑ ሰባት ወትሩ ንሕና ኣንጻር ንሶም ወይ ድማ ናትና መንገዲ ወይ መንገዲ የለን ብዝብል ኣተሓሳስባ ዝተቓነዩ እዮም። ከም ሳዕቤኑ ድማ ሰማያዊ ወይ ብጫ እንበር ሓምላይ ሕብሪ ኣይረኣዮምን እዩ።
መለለዩ ወረቐት ምስ ዝስረቐካ ፣ ከም ልምዲ መንነተይ ተሰሪቐ ትብል ትከውን። እቲ ቐንዲ ስርቂ መንነት ግን ንነብስካ በቲ ሰባት ዝገልጹካ ኣገላልጻ ክትርእያ ከለካን ነቲ ኣገላልጽኦም ኽትርዕም ከለኻ እዩ።
እቶም ንነብሶም ካብ ዝግባእ ንላዕሊ ሚዛን ዝህቡ ሰባት ነብሰ_ንቕሓት ስለ ዝጎድሎም ሕጽረታት ከም ዘለዎም ኣይስወጦምን ኢዩ። ስለዝኾነ ድማ ኣብ ዝኾነ ጉዳይ ብናቶም መንገዲ ክኽየድ ይምጉቱ። ከም ሳዕቤኑ ከኣ ውድቐት የጋጥሞምን ኣብ ትዕዝብቲ ሰባት ይኣትዉን።
ገለ ገለ ሰባት ምስ መጻምዶም ኣብ ግርጭት ኣብ ዝኣትውሉ እዋን ንመጻምዱ ምፍቓር ከምዘቋረጾ ወይ ውን ፍቕሩ ከምዝተወድአ ይዛረብ እዩ። ከምዚ እንተገይሩ ተዋሳኣይ እቲ ግርጭት ጥራይ እዩ ዝኸውን ዘሎ። ከምዚ ክኸውን ግን ኣይግባእንን፣ ምፍቃርን ብፍቕሪ ምንባርን በበይኖም ምዃኖም ኣይተረደኦን ኣሎ ማለት እዩ።
ኣነ ምሉእ ንክኸውን ንስኻ ተገድሰኒ ኢኻ ፣ ከማኡ ውን እስኻ ምሉእ ንክትኸውን ኣነ የድልየኻ እየ።
ንፉዓት ወዳእቲ ነገር ንዘሎ ግርጭት ዘይክሕዱ ኣብ ርእሲ ምኻኖም ነቲ ዝተፈጥረ ግርጭት ከም መንጠሪ ባይታ ንቅድሚት እዮም ዝጥቀምሉ።
ኣብ መንጎ ሰባት ናይ ኣርዳድኣ ፍልልይ ክህሉ ባህሪያዊ ጥራይ ዘይኾነ ኣገዳሲ ውን ኢዩ። በዚ ምኽንያት እዩ ድማ ክልተ ሰባት ሓደ ዓይነት ኣረዳድኣ እንተድኣ ሃልይዎም ሓዲኦም ኣገዳሲ ኣይኾነን ዝብሃል። ኣብ ዓለም ፍልልያት እንተዘይህሉ ነይሩ ሓድነት ምነገሰ፣ሞ ምዕባለ ውን ኣይምሃለወን።
ዘተ ወይ ክትዕ መምሃሪ ባይታ ደኣ እንበር ከም ዓውደ ውግእ ኽንጥቀመሉ ኣይግባእን። ጽን ኢልኻ እንሰምዓሉ ምኽንያት ነቲ ሒዝዎ ዘሎ ክፋል ሓቂ ንምርዳእ ደኣ እንበር ኣብ ዘዘምጽኦ ሓሳባት ድኹም ጎድንታቱ ሃሰው እንዳበልና እነጥቅዓሉ ቅኒት ኣይኾነን። እቲ ኣነ ዝፈልጦ እንኾ ሓቂ ብናተይ ኣጠማምታ ዝተረዳእኩዎ ገለ ክፋል ሓቂ እዩ። እቱይ ንስኻ እትፈልጦ ድማ ኸምኡ። እቲ ዘየጠራጥ ጭቡጥ ሓቂ ነገር ድማ እቲ ናተይ እቲ ናትኻን ሓቅታት በበይኖም ምዃኖም እዩ።
ንዓኻ ዘሰክፍ ባህሪ ከምዘይብለይ የርእየካ ኣለኹ። ስለዚ ስለዘየጥቅዓካን ነብሰ ምክልኻል ኣየድልየኻን ኢዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ ሓይልን ኣጽዋርን ሒዘ ስለ ዘይመጻኩ ንስኻ ውን ዋልታኻን ሓይልኻን ከይሓዝኻ ናብ ጠረጴዛ ምጻእ።
ሓሳባት ዘይትቅበል እንተኾይንካ ፣ ምስማዕ ኣወጊድኻ ትዛረብ ጥራይ እንተኾይንካ ምሳኻ ምስ ዘይሰማምዑ ኣብ ምቁርቛስ ግዜኻን ዓቕምካን ተባኽን እንተኾይንካ ፣ ብዘይጥርጥር ናብ ውድቐት ተምርሕ ከምዘለኻ ክትፈልጥ ኣለኻ።
ኣብ ፍቕሪ እቲ መሪር ሓቂ ንኻልኣይካ ካባኻ ዝተፈልየ ሰብ ከምዝኾነ ምቕባል ኢዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ ንፍልልያትና ዋጋ ክንህብ ከለና ንፍልልያትና ክንጻወሮን ጥራይ ዘይኾነ ክንረብሓሉን ካብኡ ሓሊፍና ውን ክንጽንብሎን ኢዩ ዘለና።

Omtaler

Det er ingen omtaler ennå.

Bli den første til å omtale «ሳልሳይ ኣማራጺ»
0.0/5

Din e-postadresse vil ikke bli publisert. Obligatoriske felt er merket med *

E-mail
Password
Confirm Password