ናርንያ
€19.99
- ኣርባዕቲኦም ኣሕዋት ብጥንታዊ ትንቢት ተደሪኾም፡ ነቶም ኣብ ባርነት ዝነብሩ ዝነበሩ ፍጡራት ናርንያ ናጻ ኸውጽኡ፡ ዘይትምሕር ገዛኢት ክዓልዉ እዮም ናብ ውግእ ኣትዮም። ኣብ ዛንታ ናርንያ፣ ጴጥሮስ፡ ሱዛን፡ ዓንዶምን ሉችያን ምስቲ ግቡእ ወራሲ ዝፋን ናርንያ ዝኾነ ኣስላን ሓቢሮም፡ ኣብ ውሽጦም ዝርከብ ትብዓትን ሓይልን ክድህስሱ እዮም። ናይታ ጻዕዳ ጠንቋሊት መርገም ሰይሮም፡ ኣብ ናርንያ ሓድሽ መዋእል ክፍልሙ ድዮም፧ ሓይሊ እምነትን መስዋእትን ከመይ ምዃኑ ርኣዩ። ምስኣቶም በታ በሪ ተሳጊርኩም ንመስተንክር ዛንታ ናርንያ ኣንብቡዎ።
- ኣቶ ካስቶሮ፣ “ጐይታ ይባርኽካ ወዲ-ኣዳም፡ ዘረባኻ ቀልዲ እዩ!” በሎ ካርካር ኢሉ እናሰሓቐ። “ናብ እምኒ ኽትቅይሮ፧ እንታይ ትብል ወደይ! ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢላ ኽጥምቶ’ውን ተኺእላ እያ! ከምኡ እንተ ገይራ፡ ካብቲ ኣነ ዝጽበዮ ንላዕሊ እዩ። ዘይከውን’ዩ ዘይከውን’ዩ! ልክዕ ከምቲ ኣብዚ ጥንታዊ ግጥምታት ዝበሎ ንዅሉ ነገር ከስተኻኽሎ እዩ፤
- ጌጋታት ክእረሙ’ዮም፡ ኣስላን ናብ ትርኢት ምስ መጸ
ደጊም ሓዘን ኣይክህሉን’ዩ፡ ድምጺ ምጕዛሙ ምስ ተሰምዐ
ክረምቲ ምስ ሞቱ ይራኸብ፡ ኣስናኑ ምስ ቀልዐ
ሓድሽ ጽድያ ኽህልወና’ዩ፡ ፋረኡ ምስ ነስ’ነሰ።
ምስ ረኣኹሞ ክርድኣኩም እዩ።»
“ግን ክንርእዮ ዲና፧” ሓተተት ሱዛን።
“ጓል-ሄዋን፡ ንምንታይ ድየ ደኣ ናብዚ ገዛ ኣምጺኤኩም። ምስ ኣስላን ክትራኸቡ ኽመርሓኩም እኮ እየ፡” በለ ኣቶ ካስቶሮ።
“ሰብኣይ ድዩ፧” ሓተተት ሉችያ።
ብኣቃጫጭ፣ “ኣስላንሲ ሰብኣይ!” በለ ኣቶ ካስቶሮ። “ብርግጽ ኣይኮነን። ንሱ፡ ንጉስ ጫካን ወዲ እቲ ዓቢ ሃጸይ ኪንዮ-ባሕርን ምዃኑ እነግረኩም ኣለኹ። ንጉስ ኣራዊታት መን ምዃኑ ኣይትፈልጡን ዲኹም፧ ኣስላን ኣንበሳ እዩ። ኣንበሳ- እቲ ግኑን ኣንበሳ።”
“እውይ!” በለት ሱዛን። “ሰብኣይ እንድዩ መሲሉኒ ነይሩ። የስግእ ድዩ፧ ምስ ኣንበሳ ምርኻብ ስምዒት ጭንቀት ዝፈጥረለይ እዩ።”
“ከምኡ’ሞ ብዘይጥርጥር ኽስማዓኪ’ዩ ፍቕርተይ። ዝኾነ ሰብ ኣብ ቅድሚ ኣስላን ክቐርብ ከሎ፡ ኣብራኹ ረድረድ ዘይብሎ የለን። ከምኡ ዘይስምዖ ሰብ ኣዝዩ ተባዕ ሰብ ወይ ድማ ልቡ ጠቢሱ ዝበልዓ ሰብ ክኸውን ኣለዎ፡” በለት ወይዘሮ ካስቶሮ።
“እሞ ውሑስ ኣይኮነን፧” በለት ሉችያ።
“ውሑስ፧” በለ ኣቶ ካስቶሮ። “ወይዘሮ ካስቶሮ ዝበለቶ ኣይሰማዕክዮን ዲኺ፧ መንዶ ምሉእ ብምሉእ ውሑስ’ዩ ዝበለ ኣሎ እዩ፧ ብርግጽ ውሑስ ኣይኮነን። ግን ብሩኽ’ዩ፣ ንጉስ’ዩ እብለኪ ኣለኹ።”
Tilleggsinformasjon
Publisher ጸሓፊ/ት | ነቢይ ሓይለኣብ |
---|---|
Pages ገጻት | 146 |
Omtaler
Det er ingen omtaler ennå.