Skip to content Skip to footer

ንቕድሚት ምውዳቕ

24.99

Tilleggsinformasjon

Publisher ጸሓፊ/ት

ትርጉም፣ ጎይትኦም ሳህለ

Pages ገጻት

288

Kategori: Product ID: 19961

Beskrivelse

  • ንቕድሚት ምውዳቕ
  • ውድቀት : ውሽጠይ ክፈልጥ ዘኽኣለኒ እቲ ዝበለጸ ዕድል። «ጆን ኪሊንገር
  • ውድቀት ንማንም ሰብ ዘጋጥምኳ እንተዀነ: ነቶም ብዝወደቕዎ ዝተርፉን ንውድቀት ከም ግዚያዊ ፈተና
  • ብምርኣይ ጒዕዞኦም ዘየቋርጹን ሰባት ዝፈልይዎም ክልተ ነገራት ግና ኣለው። ንሳቶም ድማ : ኣብ ውድቀት ዘለዎም ርድኢትን ዝህብዎ ምላሽን እዮም።

ደራሲ : ንውድቀት: ንቕድሚት ምውዳቕ (Failing Forward) ን ንድሕሪት ምውዳቕ ( Failing Backward)ን ብምባል እዩ ብውክልናዊ ኣገላልጻ ዘነጻጽሮ። እቶም ንድሕሪት ዝወድቁ ዓይነት ሰባት ጒድለታቶም ንኻልኦት ከሰክሙ ዝፍትኑ: ኲሉሳዕ ተመሳሳሊ ጌጋ ዝደግሙ: ተኽእሎ ውድቀት ኣብ ግምት ዘየእትው: ብፍሽለት ተዳሂሎም ንዝሓዝዎ ሸቶ ኣብ መፈጸምታኡ ከየብጽሑ ብቐሊሉ ኣላሽ ዝብሉን ዘቋርጹን እዮም።
እቶም ንቕድሚት ዝወድቁ ዓይነት ሰባት ድማ: ናይ ጌጋኦም ሓላፍነት ዝወስዱ: ካብ ጌጋኦም ዝመሃሩ: ንውድቀት ከም ብድሆ ዘይኰነስ ሓድሽ ዕድል ንምርካብ እትሓልፎ ፈተና ምዃኑ ዝኣምኑ: ዓወት ክንዮ ውድቀት ከም ዝርከብ ዝኣምኑ: ዓቕሞም ብፍሽለት ዘይድረት: ወረትግ
እወታዊ ኣመለኻኽታ ወይ ርድኢት ዝሃንጹ: ኣበርቲዖም ዝጽዕሩን ንለውጢ ዘይፈርሑን ከምኡ’ውን ሾቶኦም ንምዕዋት ንብድሆታት ብትብዓት ዝገጥሙን ዓይነት ሰባት እዮም።
ሰባት: ውድቀት ንሓዋሩ ከተውግዶ ዝከኣል እዩ ዝመስሎም።ምውዳቕ ወይ ምፍሻል ግዳ ሓደ ክስተት ጥራሕ ዘይኰነስ መስርሕ እዩ። ውድቀት መወዳእታ ዕድልካ ዘይኰነ: ናህሪ ዕብየትካ ክትውስኽ ሓድሽ በሪ ዝኸፍት ኣጋጣሚ እዩ።
ነፍስ-ወከፍና ምርጫ ኣሎና። ብዝኾነ ይዂን መልክዕ ከይተጋገና (ከይወደቕና) ምሉእ ህይወትና ምድቃስ? ወይስ ነቒሕና ነዚ ሓቂ’ዚ ምርዳእ? «ውድቀት ማለት ንዓወትና እንኸፍሎ ዋጋ እዩ»። ነዚ ሓድሽ ናይ ውድቀት መግለጺ ምስተረዳእና: ነጻ ኴንና ንቕድሚት ምጒዓዝን ንቕድሚት ምውዳቕን ክንጅምር ኢና።

Omtaler

Det er ingen omtaler ennå.

Bli den første til å omtale «ንቕድሚት ምውዳቕ»
0.0/5

Din e-postadresse vil ikke bli publisert. Obligatoriske felt er merket med *

E-mail
Password
Confirm Password