Add to WishlistRemove from Wishlist
Add to Wishlist
ኣብቲ ኣድማስ ተስፋ ኣሎ
€27.99
- እዛ `ኣብቲ ኣድማስ ተስፋ ኣሎ` ዝተሰመየት ብዶክተር ነመቸክ ተጻሒፋ ብተስፎም ገብረመድህን ዝተተርጎመት መጽሓፍ፡ ኩነተ ኣቲዝምን ካልኦት ናይ ዕብየት ምምዝባላትን ከየጋጥሙ ንምክልኻልን እንተ ኣጋጢሞም ድማ ከመይ ጌርካ ኣእምሮኣዊ ስራሕ ናብ ንቡር ትመልሶን ብዝርዝር እትገልጽ ኣብዚ ግዜ ኣብ መላእ ዓለም ዓቢ ተቐባልነት ረኺባ ዘላ ብልጽቲ መጽሓፍ እያ።
- እዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ ብሰሪ ኣብ ገፊሕ መዓንጣ ክነብሩ ዝግበኦም ባክተርያታ ካብ ዓቐን ንላዕሊ ካብ ንቡር ወጻኢ ኣብ ቀጢን መዓንጣ ምርባሕ ምስ ዘጋጥም እሞ ከም ውጽኢቱ ድማ ኣብ ሓንጎል ዝተፈላለዩ መጉዳእትታት ከም ዘውርዱን ብሰንኩ ድማ ዝተፈላለዩ ናይ ዕብየት ጸገማት ከም ኦቲዝም፣ ምምዝባል ዋሕዲ ኣድህቦ (ADD – Attention Deficit Disorder)፣ ምምዝባል ዋሕዲ ኣድህቦን ክቱር ንጥፈትን (ADHD – Attention Deficit Hyperactivity Disorder)፣ ብሓንጎል ዝተቐርጹ ኣጨነቕትን ቀሰብትን ምምዝባላት (OCD – obsessive Compulsive Disorder)፣ ምድንጓይ ዕብየት . . . ወዘተ ዝኣመሰሉ ኩነታት (ጸገማት) ከም ዘስዕብ ብዕምቈት ዘርዚራ ኣቕሪባቶ ኣላ። እጢ ጠንቂ እቲ ጸገም ጥራይ ዘይኰነ ድማ እቲ ፍታሕ እውን ብዝርዝር ኣስፊርዎ ኣሎ።
- ዶክተር ነመቸክ ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ እምበኣር ከምዚኦም ዝእመሰሉ ጸገማት ንኸየጋጥሙ ኣቐዲምካ ንምክልኻል ቅድሚ ጥንሲ፡ ኣብ ግዜ ጥንሲ፡ ቈልዑ ድሕሪ ምውላዶምን ቅድሚ ክትባት ምውሳዶምን ክንገብሮም እንኽእል ነገራት ብዕምቈት ኣስፊልሩልና ኣሎ። ብዓቢኡ ድማ ቈልዑ ኦቲዝምን ካልኦት ናይ ዕብየት ምምዝባላትን እንተ ኣጋጢምዎም ክግበሩ ዝኽእሉ ነገራት ብስነ-ፍልጠት ኣሰንዩ ብዕምቈት ኣብዛ መጽሓፍ ኣስፊሩዎ ኣሎ።
Tilleggsinformasjon
Pages ገጻት | 341 |
---|---|
Publisher ጸሓፊ/ት | ትርጉም ተስፋምህረት ገብረመድህን |
Omtaler
Det er ingen omtaler ennå.