Beskrivelse
- መራግእቲ ማለት ዝረገአ ጸባ ኾይኑ፣ ብውሑድ ዓቐን ናብ ሓድሽ ጸባ ዝሕወስ እዩ።
- ናይ መራግእቲ ቐንዲ ረብሓ ድማ እቲ ሓድሽ ጸባ ኣብ ሓጺር ግዜ ቐልጢፉ ክረግእን ኣብ መዓላ ክውዕልን ምግባር እዩ።
- ረጊኡ ካብ ዝተሓቖነ ጸባ ብራሕ (ሕቋን)፣ ጠስሚ፣ ማይጨባን ኣጅቦን ከም እንረክብ ንፈልጥ ኢና።
- ብተመሳሳሊ መገዲ፣ እዚ «መራግእቲ» ብዝብል ኣርእስቲ ተዳልዩ ቐሪቡ ዘሎ መጽሓፍ’ውን ነቲ ፈጣሪ ዝሃበናን ኣብ ውሽጢ ነፍሲወከፍና ዝርከብን ዕቑር ተፈጥሮኣዊ ዓቕምናን ፍሉይ ተውህቦናን ብዕምቈት ከም እነስተውዕሎ ብምግባር፣ ኣብ ህይወትና ቅልጡፍ ውጽኢት ምእንቲ ከነመዝግብ ልዑል ድርኺት ዝፈጥር እዩ።
Omtaler
Det er ingen omtaler ennå.