Skip to content Skip to footer

2100 ዓመተ-ምህረት

19.99

Tilleggsinformasjon

Pages ገጻት

149

Publisher ጸሓፊ/ት

ልኡል ሃይለሚካኤል

Beskrivelse

  • ነዛ መጽሓፍ ንኸዳሉ ካብ ዝገበረኒ ሓደ ዓቢ ምኽንያት ኣሎ ። ንሱ ድማ ፡ ብዙሕ ግዜ ከምዘስትውዓልኩሉ ፡ ብብዝሒ ካብ ዝፈርዩ ዘለዉ መጻሕፍቲ «ትርጉም» (ካብ ቋንቋ ኢንግሊዘኛ) እዮም እንተበልኩ ምግናን ኣይኮነን ። ኣብ ዓለም ብብዝሒ ቅድሓት ካብ ዝተሸጡን ፡ ናይ ኣዝዮም ስሙያት ናይ ካልኦት ሃገራት ዜጋታት ናይ ቀደምን ናይ ሕጅን ፍላስፋታት ፡ ናብ ትግርኛ ዝትርጎሙ ዘለዉ መጻሕፍቲ’ዮም ። ካብዚ ድርኺት ተላዒለ ዝመጻኒ ሓሳብ እንተሎ ፡ «ንሕና ከም ሕብረተ-ሰብ ናይ ባዕልና ዝትርጎም ተመኩሮ ህይወት የብልናን ድዩ ወላስ ኣይተበገስናሉን» ዝብል ሓሳብ’ዩ ።
  • ብርግጽ ፡ ኣንስታይን ፡ ጂም ሮን ፡ ከምኡ’ውን ካልኦት ፍላስፋታት ካባይ ይበልሑን ይበልጹን’ኳ እንተኾኑ ፡ ደፊሩ ኣይትበሉኒ’ምበር ፡ ፈቲኹም ጸሊእኩም ግን ነዓይ ኢኹም ክትሰምዑ ዘለኩም ። ኣነ ድማ ነዓኹም ።  ምኽንያቱ ፡ ንሕና ኢና ናይ ሕጂ ። ንሕና ኢና  እቲ ቃንዛ ፡ ኣነ’የ ካብቲ ቃንዛ ። ንስኹም ድማ ናይ ሕጅን ክፋለይን ። ካባና ፡ ብኣና ፡ ናባና’ዩ ክኸውን ዘለዎ ። ናይ ካልኦት ዜጋታት ጽሑፋት ከም መወከሲ ፡ መንቅሒ ፡ መማእዘኒ’ምበር ፡ ከም መዓልታዊ መዘወሪ ህይወትና ኣይንውሰዶ ። ምስ ናይ ህሉው ቅርጺ ምንባርና (daily routine) ተጋጭዩ ረጽሚ ይፈጥረልና ኣሎ ። ስለዝኮነ’የ ነዛ መጽሓፍ ካብ ናትና ዛንታ ብምብዓጥ ፡ ነቶም ከሕልፎም ዝደለኹ ክሳብ’ዛ ደቂቅ ዝበጻሕክዎም ምስትውዓልና ከኸፍት ይኽእል’ዩ ኢለ ዝኣመንኩሎም ርድኢተይ ኣስፊረዮም ዘለኹ ። ዝበዝሑ ናብ ትግርኛ ዝትርጎሙ ዘለዉ መጻሕፍቲ ፡ ልዑል ናይ ምስትውዓል ብራኸ ዘለዎ ሰብ ዝርድኦም’በር ፡ ምስትውዓልካ ዝኸፍቱ ኮይኖም ኣይረኸብክዎምን ። እዚ ድማ መሊስና ኣብ ድሕሪት ከምንተርፍ ዝገብረና ኮይኑ ተሰሚዑኒ ኣሎ ። እዛ መጽሓፍ ፡ ቅንጣብ ብዛዕባ ፍቅሪ ኣንጻር-ጾታ ዝውክል ጽሑፍ የብላን ። «ግንዛበ» ዝብል ኣምር ሕመረት ጌራ ፡ ብዛዕባ ስነ-ልቦና ኢያ ትዛረብ ።
  • ዝቅጽል ኣማኢት ዓመታት ፡ ብ «ግንዛበ» ዝበሃል መሳልል ተደጋጊፍና ፡ ናብታ ብንቅሓትን ልቦናን ዝዘቅበበት መጻኢት ዓለም ንወለዶና ከነሰጋግር ግዴታና’ዩ ። እንተዘይኮይኑ ጽባሕ ንግሆ ዕጽፍታት ዋጋ ከኽፍሎም’ዩ ፡ ከምቲ ሕጂ ዘኽፍለና ዘሎ ። የቀንየለይ !

Omtaler

Det er ingen omtaler ennå.

Bli den første til å omtale «2100 ዓመተ-ምህረት»

Din e-postadresse vil ikke bli publisert. Obligatoriske felt er merket med *

E-mail
Password
Confirm Password