Skip to content Skip to footer

ዓወት ምርጫ’ዩ

19.99

Tilleggsinformasjon

Publisher ጸሓፊ/ት

ደራሲ ጆን ማክስዌል ትርጒም ኢንጅ. ሚካኤል በርሀ

Pages ገጻት

200

Beskrivelse

  • እዛ ኣብ ዓሰርተ ኣርባዕተ ምዕራፋት ዝተኸፋፈለት መጽሓፍ፡ ዓወት ክትረኽበሉ እትኽእል ዝበለጹ ሜላታትን ኣገባባትን እያ ከትርኢ ትፍትን። ከምቲ ኣብዛ መጽሓፍ ብተደጋጋሚ ተጠቒሱ ዘሎ፡ ዓወት ምርጫ እዩ። እቲ ክዕወት ዝመርጽ ጥራይ ድማ እዩ ዝዕወት። ኣብ ዓለም ዘሎ ኩሉ ነገር፡ ኣብ ዘለካ ኩነተ-ኣእምሮ እዩ ዝምርኮስ። ሕማቕ ኩነተ-ኣእምሮ እንተልዩካ፡ እቲ ትረኽቦ ውጽኢት ሕማቕ ይኸውን። ምኽንያቱ ሰብ ውጽኢት እቲ ብተደጋጋሚ ዝገብሮን ዘለዎ ኩነተ-ኣእምሮን ስለዝኾነ።

 

  • እቲ ሕቶ ግና ብኸመይ ኢኻ፡ ጽቡቕ ወይ ብሉጽ ኩነተ-ኣእምሮ ትሃንጽ፧ ዝብል እዩ። መልሲ እዛ ሕቶ ደረጃ ብደረጃ ኣብዛ መጽሓፍ ተጠቒሱ ኣሎ። ብመሰረት ኣብዛ መጽሓፍ ዘሎ ሓቅታት፡ መጀመርያ ሓደ ሰብ ኣብ ነብሱ እዩ እምነት ከሐድር ዘለዎ። ቀጺሉ ዘለዎ ተውህቦን ክቱር ድሌትን ብምልላይ፡ ተበግሶ ክወስድ ይግባእ። ኣተኩሮ ኩሉ ነገር ምዃኑ ተገንዚቡ ድማ ዘለዎ ጸዓት ኣብ ሓደ ዘቐመጦ ዓቢ ዕላማ ከም ዝውዕል ክገብሮ፡ ተመራጺ እዩ። ኣብቲ ዝመርጾ መንገዲ ዝፈጥሮም ዝምድናታትን ብጉጅለ ኮይንካ ምስራሕን መሰረታውያን ነገራት ምዃኑ ተረዲኡ ድማ ክሰርሓሉ እዩ ዘለዎ።

 

  • እዛ መጽሓፍ፡ ነዞም ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሮም ዘለዉ ዓበይቲ ነጥብታትን ካልኦት ዛዕባታትን ኣካቲታ፡ ንሕትመት በቒዓ ኣላ። እዞም ዓበይቲ ኣርእስታት፡ ብኣገረምቲ ዛንታታትን ብህሎታት ዓበይቲ ሰባትን ተማእኪሎም ኣብዛ መጽሓፍ ሰፊሮም ኣለዉ። እቲ ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ’ቲ ክትጎናጸፎ ዘለካ ዓወትን ብምእታው ሓሊኹ ሒዙካ ዘሎ እንኮ ነገር፡ እቲ ኣብ ኣእምሮኻ ሃኒጽካዮ ዘለኻ ኩነተ-ኣእምሮ ጥራይ እዩ። ነዚ ብዝተፈላለዩ ተመኩሮታት ዝሃነጽካዮ ኩነተ-ኣእምሮ ንምጽጋኑ ወይ ድማ ንምእላዩ ኣብ ትገብሮ ጻዕሪ፡ ከም ተርጓሚ፡ እዛ መጽሓፍ ዝበለጸት መሳርሒ ክትኮነካ ትኽእል እያ ዝብል እምነት እዩ ዘለኒ። ሰናይ ንባብ።

Omtaler

Det er ingen omtaler ennå.

Bli den første til å omtale «ዓወት ምርጫ’ዩ»

Din e-postadresse vil ikke bli publisert. Obligatoriske felt er merket med *

E-mail
Password
Confirm Password